Fana: At a Speed of Life!

ብማዕርነት ደቂ ሰባት ምእማንን ኣብ ተግባር ምውዓልን ይግባእ – ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ወ/ሮ ኣበባ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብማዕርነት ደቂ ሰባት ምእማንን ኣብ ተግባር ምውዓልን ከምዝግባእ ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ወይዘሮ ኣበባ በርሀ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኅንያት ብምግባር ኣብ ጣቢያና ፃንሒት ዝገበራ እተን ሓላፊት፥ በቢዓመቱ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ብዝብል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ይከበር እምበር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝረአዩ ፅዕንቶታት ክንክዩ ከምዘይረአዩ ኣብሪሀን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንትነኽብር ከምቶም ዝሰልጠኑ ሃገራት ናብ ታሕቲ ብምውራድ ደቂ ኣንስትዮ ዝጎደለን እንታይ ኢዩ ኢልካ ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ” ክብላ ገሊፀን፡፡

ብማዕርነት ደቂ ሰባት ምእማንን ኣብ ተግባር ምውዓልን ዝሓበራ እተን ሓላፊት፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ክረኣያን ኣፍልጦ ክወሃበንን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ጓል ኣንስተይቲ ብተፈጥሮኣ ኣይትኽልን ዝብል ኣተሓሳስባ ምውጋድ ከምዝግባእ፤ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ዕድል እንተረኺባ ልዕሊ ኩሉ ከምዝኾነት ምፍላጥ ከምዘድሊ እውን ተዛሪበን።

ደቂ ኣንስትዮ እውን ካብ ተፀባይነትን ንባዕለን ኣትሒትካ ካብምርኣይን ወፂአን ዕድል እንተረኺበን ዕረ ተረባሕነት እንተረኺበንን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ውፅኢታዊ ክኾና ከምዝኽእላ ክክርዳኣ ከምዘለወን ኣብሪሀን።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት ንምክልኻል፥ ኩሉ ሕረተሰብ ኢሉ እውን ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.