Fana: At a Speed of Life!

ብሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዑደት ገይሩ።
ኣብቲ ዑደት ሚነስትር ዲኤታ ኒስቴር ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው፣ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፣ ብርጋዴር ጄነራል ጥጋቡን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ተሳቲፎም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደርን ሜዲካል ዳይሬክተርን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተገበረ ዑደት እንትኸውን፥ ዶክተር ሊያ ታደሰን ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባውን ንብ ክፍሊ ሕሙማት ብኣካል ተረኺበን ንተሓከምቲ ኣዘራሪበን።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተጎድኡ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሃገሮም እናተዋደቑ ዘበርከቱዎ ዘኹርዕ ተጋድሎ ኣድናቖተን ገሊፀናሎም።
“ሃገርኩም ኢትዮጵያን ህዝብኹምን ዝኾርዑልኩም ጀጋኑ ኢኹም፤ ሕዚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺብና ዘለና ንስኻትኩም ንሃገርኩምን ንህዝብኹምን ዘርአኹምዎ ዕዙዝ ጅግንነት ብሽም ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ክነመስግነኩም ኢዩ፤ ሃገርኩም ውዕለታኹም ኣይትርስዕን” ለንኦም።
እቶም ልኡኻት ምስ ማሕበረሰብን ኣመራርሓታትን ሆስፒታል ጎንደር ብምዝታይ፤ እቲ ሆስፒታል ክጠናኸረሉ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.