Fana: At a Speed of Life!

ብሚኒሰስትር ገንዘብ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዘበፅሐ ጉድኣት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒሰስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ሚኒስትራት ኣብ ደሴን ካልኦት ከባቢታት ዞባ ደቡብ ወሎ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘበፅሐ ጉድኣት ተዓዚቡ።

እቲ ልኡኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዘካተተ እንትኸውን፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ነቶም ከባቢታት ብወራር ሒዙ ኣብ ዝነበረሎም መዓልቲታት ዘብፀሖም ዕንወታት ተንቀሳቒሱ ተመልኪቱ።

ብኣመራርሓታት ዞባን ከተማ ደሴን በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዘብፀሖ ጉድኣት ዘመልክት ሰነድ ቀሪቡሎም።

ሚኒሰስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኣብ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡዎ ጉድኣት ጭካነ እቲ ጉጅለ ብጋህዲ ዘርኢ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን ልዑል ጉድኣት ይብፀሓዮም እምበር ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ዝተገበረ ፃዕሪ ምንኣዶም ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ወሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.