Fana: At a Speed of Life!

ብመንፅር ምዕዋት ብሄራዊ መድረኽ ዘተ ግደ ምሁራን ዝድህስስ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ብመንፅር ምዕዋት ብሄራዊ መድረኽ ዘተ ግደ ምሁራን ዝድህስስ መድረኽ ዘተ ኣብ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ዘተ “ግደ ምሁራን ሓቛፊ ብሄራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ ምዕዋት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ አንዷለም ሓዊሱ ሚኒስትር ድኤታ ታየ ደንደአ፣ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሙዩኒኬሽን ኢንፎርሜሽንን ስትራቴጅን ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዶክተር ዘውዱ እምሩን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ዩንቨርስቲን ተረኺቦም።
ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም፥ ከም ሃገር ናብ ዝቕፅል ምዕራፍ ንምስጋር ምልምማድን ነትውልዲ ምሽጋርን ይግባእ ኢሎም።
ድሕንነት ዜጋታት ዝተረጋገፀ፣ ሰላም ዝነገሰላን ዝተረጋገዐ ዴሞክራሲያዊ ምመሕዳር ንክህሉ ናይ ሓባር ምርድዳእ ምክያድ ይግባእ እውን ኢሎም።
ንትውልዲ ሓዱሽ ምዕራፍ ምኽፋት ከምዘድሊ አወን አገንዚቦም።
ስለዝኾነ ምሁራን እዚ ንክዕወት ግደኦም ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.