Fana: At a Speed of Life!

ብመስመር ሑመራ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝተፈተነ ልዕሊ 449 ሺሕ ዶላር ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብመስመር ሑመራ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝተፈተነ ልዕሊ 449 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ  ዜግነት ኢትዮጵያ ብዘለዎም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ንምውፃእ ከምዝተፈተነ ተገሊፁ።

እቲ 17 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ዝግመት ገንዘብን ነዚ ብምሓዝ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝፈተኑ ውልቀ ሰባትን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ተገሊፁ።

ተጠርጠርቲ ፥ መቆፃፅሪ ጣቢያ ሊጉዲ ጉምሩክ ሑመራ ንጎድኒ ብምግዳፍ ብበረኻ ኣቢሎም ነቲ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝፈተኑ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ዕዮ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ምሓዝ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮም ተገሊፁ።

እቲ ዝተትሓዘ ገንዘብ ናብ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣታዊ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.