Fana: At a Speed of Life!

ብመሰረት ዘጋጠመ ፀገም ቴክኒክ መውፅኢ ፈተና ፋርማሲ ዕለተ ቀዳም ዳግም ክወሃብ ኢዩ-ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 14 ክሳብ 19 ሰነ 2016 ዓ.ም ብ244 ፕሮግራማት ኣብ 57 መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትምህርቶም ክከታተሉ ንዝፀንሑ ተምሃሮ መውፅኢ ፈተና(Exit Exam) ከምዝተውሃበ ሚኒስቴር ትምምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተና ን6 ተኸታተልቲ መዓልታት ብዘይ ምንም ፀገም ከምዝተውሃበ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ኣብ ናይ መወዳእታ ዕለት ዝተውሃበ ፈተና ፋርማሲ ጥራሕ ፀገም ቴክኒክ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ተምሃሮ ፋርማሲ መውፅኢ ፈተነኦም ዳግም ንምውሳድ ዘኽእል ምምዕርራይ ከምዝገበረ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ  እቲ ፈተና ዕለተ ቀዳም 22 ሰነ 2016 ዓ.ም ንጎሆ ሰዓት 3:00 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፈተና ዝነበሩ ተምሃሮ ፋርማሲ ኣብ ዝተፈተንሉ ጣቢያ ፈተና በቲ ዝተገለፀ ሰዓት ንክርከቡን እቲ ፈተና ንክወስዱን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.