Fana: At a Speed of Life!

ብመሰረት ንህዝብና ዝኣተናዮ ቃል ኣብ 2016 ዓ.ም ፅዕንቶ ናብራ ህዝብና ንምቅላል ዝሰራሕናዮ ስራሕ ዕዉት ነይሩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ መደባት መንግስቲን ፓርቲን ከምኡውን ትልሚ 2017 ዓ.ም ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ከምዝተጀመረ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ኣብ ዘማሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ብመሰረት ንህዝብና ዝኣተናዮ ቃል ኣብ 2016 ዓ.ም ፅዕንቶ ናብራ ህዝብና ንምቅላልን ናብራ ከተማና ምቹእ ንምግባርን ዝሰራሕናዮ ስራሕ ብማእኸላይ 91 ሚኢታዊ  ዕዉት ነይሩ ኢለን።

እዚ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ስራሕ ብምትግባር ዘዐወትናዮ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

ካብቶም ዝተረኸቡ ዓወታት ከብ ብምባል፣ ጥንካረታት ብምዕቃበን ከምኡወን ጉድለታት ብምምላአን ብምእራምን ንህዝብና ብመሰረት ዝኣተናዮ ቃል ንናብራ ዝጥዕም ውቅብቲ ከተማ ንምህናፅ ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.