Fana: At a Speed of Life!

ብሔራዊ ባንኪ ምስ ትካላት ፋይናንስ ልዝብ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ባንኪ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝፀደቐ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ስራሕ ባንኪ ኣድሂቡ ምስ ትካላት ፋይናንስ ልዝብ ገይሩ።

እቲ ልዝብ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ፋይናንስ እዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ልዝብ ዝግበረሎምን ሓሳብ እታወት ዝርከበሎምን ሰነዳት ብቐንዱ ኣብ ዘፈር ኢንሹራንስን ባንኪን ፍልጠት፣ ክእለትን ቴክኖሎጂን ንምስፋሕ ከምዝሕግዙ ተኣሚኑሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ቅልጡፍን ተወዳዳሪን ኮይኑ ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር እቲ ዓውዲ ንዕቤት እታ ሃገር ብዝምጥን መልክዑ ምድንፋዕ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.