Fana: At a Speed of Life!

ብሓገዝ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ግልጋሎት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብሓገዝ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ግልጋሎት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ እናተሳለጠ ምዃኑ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ÷ ግልጋሎታት ቴልኮሚኒኬሽን፣ ባንክን ኣውሮፕላንን ብቕልጡፍ ንኽጅምሩ ልዑል ፃዕሪ ከምዝተገበረ ግልጋሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ምሕባሩ ይዝከር።

ብሓፈሻ በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ዳግማይ ብምህናፅን ብምጥያሽን ስሩዕ ግልጋሎት ምጅማር ዝተኽኣለሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብ መግለፂኡ ገሊፁ እዩ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ሃይለ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት÷ ኣብቲ ክልል ብምኽንያት እቲ ኲናት ብርክት ዝበላ ትካላት ጥዕና ግልጋሎት እንተቋርፁ ብፍላይ ድማ ኣዶታትን ህፃናትን ንዝኸፍአ ፀገም ተቓሊዖም ምፅንሖም ኣዘኻኺሮም።

እቶም ትካላት ጥዕና ስሩዕ ግልጋሎቶም ተቛሪፁ ዝነበረ እንትኸውን÷ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብፃዕሪ መንግስቲ ፌዴራል ዳግማይ ስራሕ ክጅምሩ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እውን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጥዕና ብምዝታይ ግልጋሎታት ጥዕና ብዝሓሸ ብርኪ ክህቡ ከምዝተገበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር 79 ትካላት ጥዕና እቲ ክልል ዳግማይ ንምጥያሽ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዳግማይ ህንፀት÷ ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ተሳትፎ መሓዙት ኣካላት ምህላዉ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ደገፎም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.