Fana: At a Speed of Life!

ብሓድነት ጠጠው እንተይልና ምዕባለ ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዓወት ዓድዋ ትምህርቲ ክኾና ይኅእል ኢዩ – ኣይተ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 126 በዓል ዓወት ዓድዋ ብኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ ድኽነት ንምውጋእ ብሓድነት ጠጠው እንተይልና ምዕባለ ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዓወት ዓድዋ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣፈ ጉባኤ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፥ ኣብ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1888 በዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ መላእ ሃገር ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያውያን ብሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝመፅአ ባዕዳዊ ወራሪ ጣሊያን ዓወት ዝዓተሩላ መዓልቲ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ዓወት ዓድዋ ብኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ ድኽነት ንምውጋእ ብሓድነት ጠጠው ከምዝግባእን ምምሕያሻትን ምዕባለን ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብሪሆም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኢትዮጵያ ምስ ኢሚሬታት ዓረብ ዘለዋ ታሪኻዊን ኣብ ምሕዝነት ዝተመርኮሰ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምስ ምምፃእ ልኡኻት ነቢዩ መሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ምምጻእ ዝጀመረን ዝቐፀለን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

በወቅቱ ኢትዮጵያ ነቢዩን ተከትለው ለመጡት መጠለያ ሰጥታ ሐይማኖታቸውን እንዲያካሂዱ መፍቀዷንም አፈ-ጉባዔው አንስተዋል፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መስጊድ ነጋሽ ነዚ ቀዋሚ ምስክር ከምዝኾነ እውን ኣብ መደረኦም ፀሪሖም።

ክልቲአን ሃገራት ብንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ስትራቴጂክ ምዕባለ ሓንፂፀን ዝሰርሓ ሃገራት ከምዝኾናን ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዘፈር ንግዲ 1 ቢሊየን ዶላር ዝበፅሕ መዋእለ ንዋይ ኣፍሲሳ እናሰርሐት ከምትርከብ ገሊፆም።

ኤክስፖ ዱባይ 2020 ንባህሊ፣ ክብሪ፣ ታሪኽን ሃፍቲ ተፈጥሮን ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ብመሃብ ብሓድነት ዘራኽብ፣ ነተን ሃገራት ዘፋልጥ፣ ኣብ ሞንጎአን ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ኢሉ እውን ሃገራት ንፀገማተን ዘላቒ መፍትሒ ንኽልሹ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.