Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ደገፍ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሳቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናትን ስድረኦምን ኣድላዪ ደገፍ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ምድግጋፍ ባህሊ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ሰናይት ሰለሞን ገሊፀን።

እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪበን።

ክሳብ ሐዚ ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ናይ ምድጋፍ፣ ብህይወት ዝተረፉ ሕክምና ንክረኽቡ ናይ ምግባር፣ ንጉድኣት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ዘለዉ ሰባት ናብ ካሊእ ቦታ ናይ ምዝዋር፣ ሰብኣዊ ደገፍ ምቅራብ ሓዊሱ ብዙሓት ተግባራት ከምዝተኻየዱ ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.