Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋታት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝሕግዝ 18 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ትግበራ ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓደጋታት ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘላቒ ዘይብዳህ መፍትሒ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ፕሮጀክት ትግበራ ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ብኣሰናዳእነት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰት (ኣይኦኤም)ን ዝተኻየደ ኢዩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብዓለም ለኸ ትካል ፍልሰት፣ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለምን ዩኤን ሃቢታትን ዝግበር ከምዝኾነ ሓበሬታ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ የመላኽት፡፡

18 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝተመደበሉ ፕሮጀክት÷ ኣርባዕተ ዓመታት ፃንሒት ከምዝህልዎ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት 54 ሺሕን 396 ተመዛበልቲ፣ ካብ ስደት ተመለስቲን ተቐበልቲ ማሕበረሰባትን ተረባሕቲ ከምዝገብር ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ከምበዓል ዋናነት ንውፅኢት ክንቀሳቐሱን መተሓባበሪ ኮሚቴ እውን ብንቕሓት ንኽሰርሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.