Fana: At a Speed of Life!

ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ ማይ ሰሓብቲ ማይ ንምቕራብ ወሰንቲ መሳርሒታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ ሰሓብቲ ማይ (ፓምፕታት) ዝናብ ዝሓፅሮም ከባታት ማይ ንምምጣጥ ይኹን ንስራሕቲ ሕርሻ ወሰንቲ መሳርሒታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ኮትዲቯር ኣቢጃን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 6ይ ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ዓለም ለኸ ሶላር ኣሊያንስ ኣብ ዘሰናደኦ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ፀሓይ ትኹረት ብምግባር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ÷ እቶም ሚኒስትር ኣብ ጉዳይ ልምዓት ሓይሊ ፀሓይ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣቕሪቦም፡፡

ብፍላይ ብሓገዝ  ዓለም ለኸ ሶላር ኣሊያንስ ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ሓይሊ ፀሓይ ኣመልቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ ይርጋ ጨፌ ተሃኒፁ ዝተዛዘመ ፕሮጀክት ሶላር ፓምፕ ብብርኪ ኣፍሪካ ብተሞክሮ ከምዝቐረበ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.