Fana: At a Speed of Life!

ብሓሳብ ምርታዕኻ ብሰላማዊ መገዲ ምቕባል መግለፂ ስልጣነ ኢዩ – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓሳብ ምርታዕኻ ብሰላማዊ መገዲ ምቕባል መግለፂ ስልጣነ ምዃኑ መራሕቲ ሃይማኖት ገሊፆም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ሕብረት ወንጌላዊት ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ሰላም ኣድሂቦም ምስ ግዜኢ ፃሒት ኣካይዶም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖታት፥ ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ፀዊዖም።

መረፃ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፥ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርአ ናይ ሓሳብ ጎንፂን ባህሊ ምዝታይን ክልመድ ከምዝግበኦ ገሊፆም።

ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ፓትሪያሪክን ጉዳያት ወፃኢን ሊቀ ጳጳስ ብፁእ ዶክተር ኣቡነ ኣረጋዊ፥ እቲ ዝካየድ መረፃ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንኽዛዘም መረፅቲን ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ንህዝቢ ዝጠቕሙ ሓሳባት ብሰላማዊ መገዲ ከፋልጡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ሓላፊ ዓውዲ ሰላምን ምትሕብባርን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ መሓመድ ብግደኦም፥ ሰላማዊ ዝኾነ መረፃ ንምክያድ መረፅቲን ተመረፅቲን ኣስተውዒሎም ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሓሳብካ ብዕግርግርን ሁከትን ንምግላፅ ምፍታን ንሃገር ዝረብሕ ነገር ኣይርከበሉን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ካብ ስምዒታዊነት ብምውፃእ ንቐፃሊ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምምሕልላፍ ፃዕሪ ክግበር ኣለዎ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ሕብረት ወንጌላዊት ኣብያተ ክርስትያን ፓስተር ጻድቁ አብዶ፥ ፓርቲታት ፖለቲካ ንህዝቢ ብሃይማኖትን ብብሄርን ፅለኣት ካብ ዝፈጥሩን ካብ ዝፈላልዩን ምንቅስቓሳት ክዕቀቡ ይግባእ ኢሎም።

ሰላማዊ መረፃ ንምክያድ ድማ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ ጎንፂታት ብቕልጡፍ ምፍታሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

መረፃ መፃኢ ዕድል ሓንቲ ሃገርን ህዝቢን ዝውስን ብምዃኑ፥ መረፅቲ ብዛዕባ ዝመርፁዎ ፓርቲ እኹል ግንዛበ ንኽረኽቡ ካብ በሕዚኡ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ምሁራትን፥ እቲ መረፃ ብሰላማዊ መገዲ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንኽዋፅኡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.