Fana: At a Speed of Life!

ብልፅግና ፓርቲ ሃገራዊ ምርጫ ኣብዚ ዓመት ንኽካየድ ፅኑዕ ቅዋም ኣለዎ- ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልፅግና ፓርቲ ሃገራዊ ምርጫ 2012 ኣብዚ ዓመት ንኽካየድ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ኩነታትን ሃገራዊ ምርጫን ብምዝታይ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከምዘመሓላለፈ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ክሊ ምርጫ ዝነበሮ ቅዋም ለውጢ ኣይብሉን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ እቲ ምርጫ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎ ገሊፆም።

እዚ ማለት ፈተንቲ ዝኾኑ ነገራት የለዉን ማለት ኣይኮነን፤ ስለዝኾነ እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ምርጫ ብዝምልከት ዘለዉ ስግኣታትን እወንታዊ ዕድላትን ብምዝታይ መፍትሒ ውሳነታት ከምዝሃበ ገሊፆም።

ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ይኹኑ ሕብረተሰብ ምስ ምርጫ ብምትሕሓዝ ዘልዕሎም ስግኣታት ብምዝታይ እቲ ምርጫ ብእዋኑ ብምክያዱ ወይ ብምንውሑ ዝርከብ ረብሓን ጉድኣትን ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝተዛተየ ድማ ኣይተ ብናልፍ ተዛሪቦም።

“ምርጫ ብእዋኑ ብምክያዱ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ፤ ህዝቢ ዝመረፅክዎ መንግስቲ ኢዩ ዘመሓዳድረኒ ዘሎ ዝብል እምነት ንክህልዎ እውን ይገብር” ኢሎም።

ስለዝኾነ ብብዙሕ መለክዒታት እንትረአ ምርጫ ብዝዋኑ ምክያዱ ዝሓሸ ከምዝኾነ እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ከምዝገምገመ ዝሓበሩ ኣይተ ብናልፍ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ግን ብቐሊሉ ኣይንርእዮምን ክብሉ ገሊፆም።

ትካላት ፀፅታን ፍትሒን ኣብ ፀፅታ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሮም።

ህዝቢ እውን ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላት ብምቅላዕ ንሰላም ዘለዎ ድልዉነት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።

ኣባላትን ደገፍቲን ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሰላም ካብ ዝዘርጉ ተግባራት ክርሕቑ ከምዝግባእ ድማ ሓቲቶም።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ብልፅግና ፓርቲ ኣብቲ ትማሊ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ትልሚ 10 ዓመት ብዝምልከት ብምዝታይ ኣፅዲቑ ኢዩ።

ብፋሲካው ታደሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.