ብልዕሊ 30 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕፅረት መምሀሪ ክፍሊ ንምቕራፍ ዓሊሙ ብግድስቲ ወገን ብልዕሊ 30 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ህንፀቱ ብምዝዛም ሎሚ ተመሪቑ።
እቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ገንደብታ ነባርነተን ኣብ ሕብራት መንግስትታት ኣሜሪካ ካሊፎርንያ ዝኾና ወይዘሮ ኣመለ ተክልሃይማኖት ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣመለ ተክልሃይማኖት ፍረ ስውኣት ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገንደብታ፥ ህንፀቱ ተዛዚሙ ግልጋሎት ንምሃብ ድልው ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ወይዘሮ ኣመለ ተክለሃይማኖት፣ ሓለፍትን ኣመራርሓን ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መምህራን፣ ተምሃሮ፣ ነበርቲ እቲ ጣብያን ኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከምዝተረኸቡ ኣብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።