Fana: At a Speed of Life!

ብሊንከን ኢራንን ሂዝቦላህን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍንዋ ከምዝኽእላ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሃምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኢራንን ሂዝቦላህን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ 24ን 48ን ሰዓታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍንዉ ይኽእሉ ኢዮም ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዞባዊ ኲናት ክቕስቀስ ይኽእል ኢዩ ብዝብል ልዑል ስግኣት ከምዝነገሰ ሓበሬታታት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ብምፅራሕ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ኢራንን ሂዝቦላህን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን÷ መቕተልቲ ላዕለዎት መራሕቲ ሃማስን ሂዝቦላህን ስዒቡ ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ከምዝህቡ ምሕናዮም ይዝከር።

ኢራንን ሂዝቦላህን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍንዉ ከምዝኽእሉ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኣባል ሃገራት ጉጅለ-7 ምግላፆም እውን እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

“እቶም መጥቃዕቲታት መዓዝን ብኸመይ ዓይነት ቅርፂ ከምዝውሰዱ ኣይፈለጥ እምበር÷ ኢራንን ሂዝቦላህን ሕነ ከምዝፈድዩ ኣሜሪካ ተኣምን ኢያ” ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡

ኢራንን ሂዝቦላህን መጥቃዕቲ ከይፍንዋን ዝኾነ ምላሽ እስራኤል ንኽግድን ኣሜሪካ ናይ ምእማን ስራሕ ከምተሰርሕ ምግላፆም ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ፡፡

ካልኦት ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ እውን ኣብ ልዕሊ ሰለስቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ብምፍጣር ናብቲ ፀቕጢ ንኽፅምበራ ፀዊዖም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ጦር እስራኤል ኣብ ከባቢ ምዕራብ ገሊላ ካብ ሊባኖስ ዝተተኮሱ ሮኬታትን ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ከምዘፈሸለ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.