Fana: At a Speed of Life!

ብህፁፅ ስራሕቲ ምክልኻል ግዕዚይና ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2016 ዓ.ም ብህፁፅ ስራሕቲ ምክልኻል ግዕዚይና ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ህፁፅ ስራሕቲ ምክልኻል ግዕዚይና ገዛኸኝ ጋሻው፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጉዳያት ዝጠመተ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብቲ ባጀት ዓመት ልዕሊ 175 ሺሕ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሃፍቶም ምምዝጋቦም ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ክልልትን ምምሕዳራት ከተማን 1 ሺሕን 87 ህፁፅ ስራሕቲ ምክልኻል ግዕዚይና ከምዝተኻየደ አውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ብህፁፅ ስራሕቲ ምክልኻል ግዕዚይና ብር 2 ነጥቢ 8 ቢሊየን ምድሓን ከምዝተኽኣለ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.