Fana: At a Speed of Life!

ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ምግልጋል ሓጋዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝበ ውሳነ ተገዛኢ ምዃን ዘርዚ እውን ኢዩ – ሚኒስትር ምክልኻል

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መሰከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ምግልጋል ሓጋዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝበ ውሳነ ተገዛኢ ምዃን ዘመላኽት ከምዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮ/ል ጌትነት ኣዳነ፥ ኣብ ሕከ-መንግስቲ ዓንቀፅ 8 ቁፅሪ 2 “… እዚ ሕገ-መንግስቲ መግለፂ ሉኣላውነት” ከምዝብል ገሊፆም፤ ስለዝኾነ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ቃሉ ሓሊዩ ብዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ንምጥያሽ ክበቅዕ ክኢሉ ኢዩ ኢሎም።
“ስለዝኾነ ድማ ብመስዋእቲ ብፆትና ንዝተመስረተ መንግስቲ ምብቃዕና፤ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለና እምነት ዘረጋገፅሉ ስለዝኾነ፥ ሉኣላዊነትና ሓሊና ኣብዚ ስለዝበፃሕና ኩርዓት ይስመዐና” ክብሉ ገሊፆም።
ስልጣን ብመረፃ ጥራሕ ዝተሓዝ እምበር ብዝኾነ ይኹን ኣቋፂ መገዲ ዝፍፀም ከምዘይኮነ ሕገ-መንግስቲ ደንጊጉ ኢዩ፤ ሰራዊት ምክልኻል እውን ድንጋገ ሕገ-መንግስቲ ጋህዲ ንምግባር ታሪኽ ዘይርሰዖ ዋጋ ከምዝኸፈለ እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም።
ፍልፍል፦ ፌስ ቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.