Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ምሃብ ተጀሚሩ።

ድሕንነት እቲ ፈተና ብዝሓለወ መልክዑ ብዘይ ዝኾነ ስርቂ ፈተናን ምቅድዳሕን ምሃብ ንኽከኣል ተምሃሮ ኣብ ጥቐኦም ናብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ፈተና ምውሳድ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ።

ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት 976 ሺሕን 18 ተምሃሮ ፈተና ከምዝወስዱ ትፅቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንተፈተንቲ 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ”እትፍተኑዎ ፈተና 12 ክፍሊ ሓቀኛ ተስፋታት ኢትዮጵያ ከምዝዀንኩም እተረጋግፁሉ ከምዝኸውን ይኣምን” ኢሎም።

“ዝተወሃበኩም መምርሒ ኣኽብሩ፤ ተረጋጊዕኹም ፈተናኹም ተፈተኑ፤ ብዝኾነ ይኹን ኣይትሸበሩ፤ ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ፍልጠት ይግለፀልኩም” ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.