Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን-ኤሳያስ ጅራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት 7፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኤሳያስ ጅራ ተዛሪቦም።
ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተን ሓጋዚኦምን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ብዝምልከት ኣሰልጠንቲ 16 ጋንታታት ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዘተ ተገይሩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኤሳያስ ጅራ ከምዝበልዎ፥ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን ኢሎም።
መበገሲ ድኽመት እቲ ጋንታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሊግ ድኹም ምዃን ኢዩ ብዝብል ኣሰልጣኒ ውበቱ አባተ ንዝሃብዎ ርእይቶ እቶም ፕሬዚዳንት ተቺቶም።
ድኽመት እቲ ጋንታ ድኽመት መዳርግቲ ኣካላት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.