Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኮሚቴ መተሓባበሪ ፀፅታ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ካብ ዝፍንዉዎ ክፉእ ተግባር ብምቁፅፃር ድሕንነት ዜጋታት ብምሕላው ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ኮሚቴ መተሓባበሪ ፀፅታ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ይሰርሑዎ ዘለዉ ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሒ ብምቁፅፃር ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ምሕላው ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ፅባሕ ኣብ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ሓደ ሓደ ሓይልታት ፀረ ሰላም እቲ በዓል ብሰላም ከይኽበርን ብሄር ምስ ብሄር ንምብኣስን፤ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ምትእምማን ከይህሉ ምድንጋራት ንምፍጣር ምንቅስቓስ ምጅማሮም ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብቲ በዓል ዝተፈላለዩ ጉድኣታት ንምፍጣር ሓይሊታት ፈፀምቲ ግብረ ራዕዲ ብምምልማል፣ ብምስልጣንን ብምዕጣቕን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ኮሚቴ፥ ንጥፍኣት ዝተዋፈሩ ዝተወሰኑ ሓይሊታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣገንዚቡ።

እቶም ሓሊታት ጥፍኣት ሕገ-መንግስታዊ ስረዓት ንምፍራስ ዝተፈላለዩ ምድንጋራት ብምንዛሕ ዝተለመደ ሃገር ናይ ምፍራስ ተግባሮም ከምዝቐፀሉሉ ኢዩ ኣብቲ መግለፂ ዝተሓበረ።

ስለዝኾነ ድማ ዝተወሰኑ ሓይሊታት ጥፋኣት ኣብታ ሃገር ንዘበናት ዝጎልበተ እሴት ምክእኣልን ሓድነትን ንምፍራስ ቀትርን ለይቲን እናሰርሑ ስለዝኾኑ፥ ካብዚ ክፉእ ተግባር ክቑጠቡ ከምዝግባእ እቲ ብሄራ ኮሚቴ መተሓባበሪ ፀፅታ ኣተሓሳሲቡ።

ሕብረተሰብ ኣብ ኢትዮጵያ እናተፈጠረ ዝርከብ ሰላም ንምፍራስ ዕንወትን ስቓይን ንክበዝሕ ዝፅዕር ሓይሊ፥ ከምቲ ልሙድ ኣብ ጎድኒ ሓይሊታት ፀፅታ ብምዃን ሰላሙ ንኸኽብር ድማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ በቢብርኩ ዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታ እውን ሕይሊታ ፀረ ሰላም ዝሰርሑዎም ዘለዉ ሽርሒታት ምፍራስ ሃገር ምቁፅፃር፣ ድሕንነትን ሰላምን ዜጋታት ምሕላው ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ኣካላት ሕጊ ዝተኸተለ ስጉምቲ ከምዝወስድ ድማ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ፥ ፅባሕ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ በዓል ሓድነትን ሰላምነር ንኽኸውን ዘለዎ ትምኒት ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.