Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ትራተጂ ናፃ ግልጋሎት ሓገዝ ሕጊ ኢትዮጵያ ናብ ስራሕ ምእታዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ብሄራዊ ትራተጂ ናፃ ግልጋሎት ሓገዝ ሕጊ ኢትዮጵያ” ፀዲቑ ናብ ስራሕ ምእታዉ ሚኒሰስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣለምኣንተ ኣግደው÷ “እቲ ስትራተጂ ሓገዝ ሕጊ ንምርካብ ዓቕሚ ገንዘብ ዘይብሎም ዜጋታት መሰል ምድናይ ንኽህልዎም ዝሕግዝ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ግልጋሎት ብዘይተወደበ መገዲ ኣብ ትካላት ፍትሒ ፌዴራልን ክልልን ከምኡ እውን ኣብ ውልቀ ጠበቓታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታትን ዝርከቡ ኣቢያተ ትምህርቲ ሕጊ እናተውሃበ ምፅንሑ ኣልዒሎም፡፡

ብምዃኑ ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣዋጅ ቁፅሪ 1263/2014 ን ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 943/2008 ዓንቀፅ 6(ሀ) መሰረት ግልጋሎቱ ካብ 13 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከምዝተወሰነ ገሊፆም፡፡

ብሄራዊ ትራተጂ ናፃ ግልጋሎት ሓገዝ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ንኽሰርሑ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.