Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ክልላት መረፃ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ክልላት መረፃ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካን ስቪክ ማሕበራትን ዝተሳተፍሉ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ እንታይነትን ኣካልላን ክልል መረፃን ከምኡ እውን ቅድመ ሐዚ ዝነበሩ ኣካልልን ሕጋዊ ማዕቐፍን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ንዝካየድ ምርጫ ብዝምልከት ዝተሰናድአ ካርታ ክልላት ምርጫ እውን ዕላዊ ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ሃገር 547 ክልላት ምርጫ ዕላዊ ዝተገበሩ እንትኾኑ፥ ክልል ትግራይ 38፣ ዓፋር 8፣ አምሓራ 138፣ ኦሮሚያ 178፣ ሶማሌ 23፣ ቤኒሻንጉል 9፣ ደቡብ 123፣ ጋምቤላ 3፣ ሃረሪ 2፣ ድሬዳዋ 2 ከምኡ እውን ኣዲስ ኣበባ 23 ንሃገራዊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ክልላት ምርጫ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብሃብታሙ ተክለስላሴን ኣወል ኣበራን

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.