ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዝኣገዶ ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ንህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ መረጋገፂ ሕጋዊ ሰብነትን ምዝገባን ተዋሂቡዎ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ፓርቲ ካብ ዝተመዝገበሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምግባር፣ ኣመራርሓ ፓርቲ ምምራፅን ቅድሚ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምክያድ ንቦር ምርጫ ምፍላጥን ትፅቢት ይግበሩሉ ነይሮም ኢሉ።
ይኹን እንበር እቲ ፓርቲ ልዕል ክብል ዝተደንገጉ መምርሒታት እቲ ቦርድ እንተይፈፀመ ብሕጊ ዝተውሃቦ ናይ 6 ኣዋርሕ ገደብ ግዘ ብምዝዛሙ እቲ ፓርቲ ንሰለስተ ኣዋረሕ ምንም ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንከይገብር ከምእዝተኣገደ ኣፍሊጡ።
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምእጋዱ ንምፍላጥ ዝተውሃበ መግለፂ
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ኣዋጅ ምዝገባን ስነ ምግባር ምርጫን ፓርቲታት ፖለቲካ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1162/2011 ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ምውፅኡ ስዒቡ ህወሓት ነቲ ቦርድ 19 ሓምለ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ 3944/ማኮ1/644 ብመሰረት ዝፀሓፎን ምስቲ ደብዳበ ኣተሓሒዙ ብዘቕረቦን ዝርዝር ሰነዳት፤ ከምኡውን ሚኒስቴር ፍትሒ ፌዴሪኢ 17 ሰነ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ ፍሚ 1/1345 ብመሰረት ዝፀሓፎ ደብዳበ መበገሲ ብምግባር እቲ ቦርድ ነቲ ጉዳይ ብምምርማር ንህወሓት 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ናይ ክልል ፓርቲ ፍሉይ ኩነታት ናይ ምዝገባን መረጋገፂ ሕጋዊ ሰብነትን ወረቐት ምስክር ሂቡዎ ኢዩ።
እቲ ምዝገባ ስዒቡ እቲ ፓርቲ ክኽተሎን ክፍፅሞን ብዛዕባ ዝግባእ ሕጋዊ ግዴታ እቲ ቦርድ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15180 ብመሰረት ዝፀሓፎ ደብዳበ ነቲ ፓርቲ ገሊፁ።
እቲ ፓርቲ እውን ናይ ምዝገባ ሰርተፊኬቱን ዝተፅሓፈ ደብዳበን ካብቲ ቦርድ ተቐቢሉ ኢዩ።
እቲ ፓርቲ ብመሰረት ኣዋጅን መምርሒን ካብ መንጎ ዝተነበረሉ ሓላፊነትን ግዴታን ቀንዲ ቀንዲ ብፍሉይ ኩነታት ካብ ዝተመዝገበሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 6 ኣዋርሕ ናይቲ ቦርድ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምግባር፤ በዚ እውን ጉባኤ ሰነዳት ምስቲ ኣዋጅ ኣጠዓዒሙ ምፅዳቕ፤ ኣመራርሕኡ ምምራፅ፤ ብተወሳኺ ቅድመ ምድላው ጉባኤ ብዝምልከት ዘለዉ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ምክትታል ንክኽእል ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ቅድሚ ምግባሩ 21 መዓልታት ኣቐዲሙ ናይቲ ጉባኤ ዕለት ነቲ ቦርድ ምፍላጥ ዝብሉ ኢዮም።
እቲ ፓርቲ ብመሰረት ኣዋጅን መምርሒን ዘለዎ ግዴታታት ንክዋፃእ እቲ ቦርድ ብዝተፈላለየ እዋን ነዚ እውን 6 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15181፣ 15 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ብቑፅሪ አ1162/11/15199 ፣ 20 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ብቑፅሪ አ1162/11/15209፣ 21 ጥቅምቲ2017 ዓ.ም. ብቑፅሪ አ1162/11/15278 ብዝተፅሓፉ ደብዳበታት ዘተሓሳሰበን ዘፍለጠን እንትኸውን፤ ኣብ መወዳእታ እውን 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15349 ብመሰረት ዝተፅሓፈ ደብዳበ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መግበሪ ግዘ ገደቡ ክዛዘም ትሕቲ ክልተ ኣዋርሕ ከምዝተረፎ ብምግላፅ እቲ ፓርቲ ብመሰረት ሕጊ ዝተነበረሉ ግዴታ ንክፍፅም ብምትሕስሳብ እቲ ፓርቲ ነዚ ግዴታ ሕጊ ኣብ እዋኑ እንተይፈፀመ እንተተሪፉ እቲ ቦርዲ ብመሰረት ሕጊ ግቡእ ኢዩ ዝብሎ ውሳነ ከምዝህብ ኣፍሊጡ ኢዩ።
ይኹን እንበር እቲ ፓርቲ ድንጋገታት መምርሒን ኣዋጅን ውሳነታት ቦርድ ብምኽባር ሓፈሻዊ ጉባኤኡ እንተየካየደ፣ መተሓዳደሪ ደንቡ ከየፅደቐን ኣመራርሕኡ እንተየማረፀን ብሕጊ ዝተውሃቦ 6 ኣዋርሕ ተዛዚሙ።
ህ.ወ.ሓ.ት እውን ብፍሉይ ኩነታት ተመዝጊቡ ከምዝንቀሳቐስ ፓርቲ ሕጊ፣ መምርሒን ውሳነታትን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ ምንቅስቓስ እናተገበኦ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 አንቀፅ 3(11) (ሀ)ን እቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ብመሰረት ዝወፅአ መምርሒ ዓንቀፅ 16(6) ዝተደንገገ ጥሒሱ ተረኺቡ ኢዩ።
ብምሰረት እዚ እቲ ቦርድ 4 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እቲ ጉዳይ መርሚሩ ዝስዕብ ውሳነ ሂቡ ኣሎ።
- እቲ ፓርቲ ልዕል ክብል ዝተጠቐሱ ኣዋጅን መምርሒን ዝተገለፁ ድንጋገታት ብዘይምኽባር ርኡይ ጥሕሰት ብምፍፃሙ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ንምፍፃም ብዝወፅአ መምርሒ ቁፅሪ 25/2016 ዓንቀጽ 18(1) መሰረት እቲ ፓርቲ ነዚ ውሳነ ካብ ዝበፅሖ ዕለት ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብምንም ዓይነት ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ንከይሳተፍ እቲ ቦርድ ወሲኑ።
- እቲ ፓርቲ ንእግድ ምኽኒያት ዝኾነ ጥሕሰት ብምእራም፤ እቲ ኣዋጅ፤ ነቲ ኣዋጅ ስዒቡ ዝወፅአ መምርሒ፣ ናይቲ ቦርድ ውሳነታትን ትእዛዝን ብምኽባር እቲ ፓርቲ ክገብሮ ዝግባእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምግባር ዘኽእሎ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምስራሕ ነቲ ቦርድ ብፅሑፍ እንተፍልጥን እቲ ቦርድ ነዚ አንተረጋግፅን ብመምርሒ ዓንቀፅ 18(2) መሰረት እቲ ቦርድ ነቲ እግድ ዘልዕል ከምዝኾነ ወሲኑ።
- እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተውሃቦ ሰለስተ ኣዋርሕ እዋን እግድ ስጉምቲ መአረምታ እንተይወሰደ እንተተሪፉ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀጽ 3(11)(ሐ)ን ብመምርሒ ቁፅሪ 25/2016 ዓንቀፅ 19 (1) (ሐ) መሰረት እቲ ቦርድ ዝተፈለየ ኣካይዳ እንተይተኸተለ ናይቲ ፓርቲ ምዝገባ ንክስረዝ እቲ ቦርድ ወሲኑ።