Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ስምዕታ ንዘቕረቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ጉጅለ ብምጥያሽ ምርመራ ከምዘካየደ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ እዋንን ካልኦት ዛዕባታት ብዝምልከት ስምዕታ ንዘቕረቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ጉጅለ ብምጥያሽ ምርመራ ከምዘካየደ ገሊፁ።

እቲ ቦርድ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ዘተ የካይድ ኣሎ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ስምዕታ ንዘቕረቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ጉጅለ ብምጥያሽ ምርመራ ከምዘካየደን ግቡእ ሕጋዊ መፍትሒ ከምዝገበረን ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ብፓርቲታት ኦነገን ኦፌኮን ዝተልዓሉ ስምዕታታት ብምሓዝ “ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም” ዝተብሃሉ ኣባላት ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ምርመራ ከምዘካየደን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንክትግበር ውሳነ ብምትሕልላፍ መፍትሒ ከምዝሃበን ኣፍሊጡ።

ነዚ እወን ኣቦ መንበር ፓርቲ ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ “ቁም እሱር” ኮይኖም ከምዝፀንሑ ብምርግጋፅ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ነክሕሎ እቲ ቦርድ ዘመሓላለፎ ውሳነ ተፈፃሚ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.