ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት) ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንከካይድ ኣተሓሳሲቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት) ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንከካይድ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቦርድ ዝሃቦ መግለፂ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ህወሓት ብመሰረት ምዝገባን ስነ ምግባር ምርጫን ፓርቲታት ፖለቲካ ንምምሕያሽ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋቡ ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 3 ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበ ፓርቲ ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 6 ኣዋርሕ ውሽጢ ናይቲ ፓርቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንክገብር ይእዝዝ።
እቲ ቦርድ እውን ናይቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋብ ኣብ ዘፍለጠሉ 3 ሰነ 2016 ዓ.ም ብዝተፅሐፈ ደብዳቤ ቁፅሪ አ1162/11/15180 ብግልፂ ከምዘቐመጦ እቲ ፓርቲ እቲ ደብዳበን ናይ ምስገባ ሰትረፊኬተን ካብ ዝበፅሖ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ውሽጢ ናይቲ ቦርድ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣኼባ ክገብር ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ኢዩ።
ብኻሊእ መዳይ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓ.ም ንምፍፃም ኣብ ዝወፅአ መምርሒ ቁፅሪ 25/2016 ዓንቀፅ 12 መሰረት በቲ ዝተጠቐሰ ኣዋጅ መሰረት ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ምዝገብኡ ካብ ዝረኸበሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምግባር ከምዘለዎ ይእዝዝ።
እቲ ፓርቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ናይቲ ኣዋጅን መምርሒን ድንጋገታትን እቲ ቦርድ ፍሉይ ምዝገባ ሰርተፊኬት እንትህቦ ብመሰረት ዝፀሓፎ ደብዳበ ዝተገለፀ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ነክገብር ዝብል ግዴታ ብዘይተወሳኺ መተሓሳሰቢ ክፍፅም ከምዘለዎ ዝእመን እኳ እንተኾነ እቲ ቦርድ ነቲ ፓርቲ 3 ነሓሰ ብቑፅሪ 1162/11/15180፣ 20 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15209ን 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15278 ብዝፀሓፎም ደብዳበታት ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምግባር ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንክገብር ኣፍሊጡ።
እቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበሉ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብምዃኑ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ክሳብ 3 ለካቲት 2017 ዓ.ም ንከካየድ ትፅቢት ይግበር። ብኻሊእ መዳይ ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምድላው ዘድሊዮ ናይ ቅድመ ጉባኤ ምድላው ዝጥምቱ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ምክትታል መእንታ ክኽእል እቲ ፓርቲ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ቅድሚ ምግባሩ 21 መዓልታት ኣቐዲሙ እቲ ጉባኤ ዝግበረሉ ዕለት ነቲ ቦርድ ንከፍልጥ ትፅቢት ይግበር። ይኹን እንበር እዚ ደብዳበ ክሳብ ዝተፅሓፈሉ ዕለት እቲ ፓርቲ ካብ ዝምዝገብ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምግባር ዘኽእሎ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ እቲ ቦርድ ኣይፈልጥን።
ስለዝኾነ እቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ካብ ዝተመዝገበሉ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምግባር ዝግበኦ እዋን ንክዛዘም ትሕቲ ክልተ ኣዋርሕ ዝተረፎ ብምዃኑ እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ጠመተ ብምሃብ ብፍሉይ ኩነታት ብመሰረት ዝተመዝገበሉ ኣዋጅ፣ እቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዝወፅአ መምርሒን እቲ ቦርድ ካብ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነቲ ፓርቲ ብመሰረት ዝፀሓፎ ደብዳቤታትን ዝተውሃቡ ውሳነታት ብምኽባር ኣብ ዝተረፈ ሓፂር እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንክገብር እቲ ቦርድ ብጥብቂ የፍልጥ።
እዚ ኣብ ሕጊ ፓርቲ ዝተነበረ ግዴታ ኣብ እዋኑ እንተይተፈፀመ እንተተሪፉ እቲ ቦርድ ሕጊ መሰረት ብምግባር ግቡእ ኢዩ ዝበሎ ውሳነ ዝህብ ምዃኑ ብክብሪ የገንዝብ።