Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ድሕንነትን እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብምግምጋም ኣንፈታት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ድሕንነትን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ድሕንነት ብምግምጋም ኣንፈታት ኣቐሚጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ቅድም ኢሎም ተለሊዮም ዝነበሩ ሃገራዊ ስግኣታት መሰረት ብምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲን ዘጋጠሙ ክፍተታትን ንግምገምኡ መበገሲ ከምዝገበረ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ 1 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ብህፁፅ ንምፍፃም ዝወሰኖም ውሳነታት ብዝምልከት ገምጊሙ።

ብመሰረት እዚ ካብ መንጎ እቶም ሽዑ ዝተወሰኑ ውሳነታት፥  ኣብ ኣመራርሓ ግብረ ራዕዲን ጉጅለ ዕጡቓትን ትኹረት ብምግባር ምድምሳስ፣ መበገሲን ቀንዲ ተዋሳእቲን ሰለምቲ ሓይሊታት ፀፅታ ምልላይ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምዃን ጎንፂታት ምውጋድ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ዝዓነወ መንግስታዊ መሓውራት መሊስካ ምውዳብን፣ ትካላት ፈትሒን ፀፅታን ምምዕርራይ ዝብሉን ካልኦትን ኣንፈታት ኣበይ ብርኪ ከምዘለዉ ኣብ ገምጋሙ ርእዩ።

እቶም ኣንፈታት መሰረት ብምግባር  ዝተፈፀሙ ተግባራት፥ ፀገማት ፈታሕቲ፣ ብድሆታት ዝቕንሱ፣ ሰላምን ፀፅታን ንምዕሳልን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ንምስላጥን ዝረብሑ ተግባራት ብብርኪ ክልልትን ፌዴራልን ይስርሑ ምህላዎም ንኢዱ።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምድምሳስ ዘኽእሉ ኮማንድ ፖስትታት ኣብ ሸዋ፣ ወለጋ፣ ጉጂ ከምዝተጣየሹ ብምግላፅ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ኣመራርሓን ሓይሊታት ፀፅታን ክልል ኦሮሚያ ብምውዳድ ብመሰረት ዝወሰድዎም ስጉምቲ 3180 ዕጡቓት ሸኔ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ኢዶም ዘይሃቡ ድማ ከምዝተደምሰሱን ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕጊ ንምኽባር ብመሰረት ዝተወሰደ ዝተዋደደ ስጉምቲ፥ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ልዕሊ 6 ነጥቢ 6 ሚሊየን ህዝቢ ዘሳተፉ መድረኻት ብምክያድ ኣብ ልዕሊ 633 ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ካም መጠንቀቕታ ክሳብ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምውዓል ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብሪሁ።

ኣብኣዲስ ኣበባ ፀፅታን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ብመሰረት ዝተወሰደ ስጉምቲ፥ ልዕሊ 497 ኣባላት ጁንታ፣ ሸኔ፣ ኣልሸባበን ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉምዝ፣ ደቡብ፣ ሶማሌ፣ ዓፋር ዝተቐመጡ ኣንፈታት ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምትግባር ምስ ሕብረተሰብ፣ ኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን ብምዃን እወንታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እቲ ቤት ምኽሪ ገምጊሙ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ ድርድር ንክፍታሕ መንግስቲ ኣንፈት ከምዝሓዘ ብምዝኽኻር፥ ነዚ ዝምልከት ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ድማ ኣብሪሁ።

እቲ ድርድር ውፅኢት ክሳብ ዘምፅእ ንምቕፃል መንግስቲ ቁርፀኛ ከምዝኾነ እውነ ሓቢሩ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ገምጋሙ፥ ሃገራዊ ተቓላዓይነት ኣብ ምቕናስ፣ ሃገራዊ ድሕንነት ኣብ ምርግጋፅ ልዑል እወንታዊ ለውጢ ከምዝተረጋገፀ ገሊፁ።

ይኹን እንበር እቶም ስራሕቲ ገና ከምዘይተዛዘሙ፣ መሓውራት ፀፅታን ድሕንነትን ትፅቢት ብዝግበረሉ መጠን ዘይምፅራዩ፣ ጁንታ ምስ ሓይሊታት ወፃኢን ውሽጢ ዓዲን ብምዃን ክገብሮ ዝደሊዮ ምውዳድ ንምምካን ብዝግባእ ዘይተሰርሐ ምዃኑ ገምጊሙ።

ስለዝኾነ ብኣመራርሓ፣ ኣካላት ፀፅታን ህዝብን ቁርፀኝነተን መስዋእትነትን ክትግበሩ ዝግበኦም ኣንፈታት ብምሃብ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ብመሰረት እዚ ካብ መንጎ እቶም ኣንፈታት፥ ግብረ ራዕዲን ዘይሕጋዊ ዕጡቓትን ስግኣት ናብ ዘይኾንሉ ብርኪ ምውራድ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ተግባር ብምፍፃም ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅ፣ ኣካላት ፈትሒ ብምፅራይን ብምጥንኻርን ንሃገራዊ ሰላምን ድሕንነትን ትፅቢት ዝግበረሎም ንክዋፅኡ ምግባር፣ ንህዝቢ ኣብ ዘማርሩ ሽርሒታት ኢኮኖሚ ይኹኑ ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ዘየዳግም ስጉምቲ ምውሳድ ዝብሉ ተረቋሕቲ ኢዮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

 

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.