Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፅባሕ ፍሉይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፅባሕ 18 ለካቲት 2017 ዓ.ም ፍሉይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ፡፡

ንጨረታ ዝቐርብ መጠን ሸርፊ ወፃኢ 60 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካን እንትኸውን÷ እቲ ጨረታ ንኩሎም ባንኪታት ክፍቲ ከምዝኸውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ባንኪ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ ንፕሮግራም ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ሚዛን ክፍሊት ሸርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ወፃኢ ንግዲ፣ ሓዋላን ዋሕዚ ካፒታልን ብልዑል ብርኪ ምምሕያሽ ከምዘርአየ ኣልዒሉ፡፡

ብፍላይ ድማ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንደሓር ወርቂ ናብ ወፃኢ ናይ ምልኣኽ ብሕታዊ ስልጣን ናብ ዘለዎ ብሄራዊ ባንኪ ዝቐርብ መጠን ወርቂ ብምውሳኹ ዓለም ለኸ መሕለውታ ክዙን ሸርፊ ወፃኢ እቲ ባንኪ ኣዚዩ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ብቐረባ ብምክትታል ከከምኣድላይነቱ ተወሳኺ መሸጣ ሰርፊ ወፃኢ ከምዘካይድ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ዋጋ እቲ ባንኪን ምርግጋእ ኢኮኖሚን ንምዕሳል ዘቐመጦ ስትራቴጂያዊ ሸቶ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ድማ ባንኪታት ብዝተቐመጠ መለክዒን ማዕቐፍ ግዘን መሰረት ኣብቲ ጨረታ ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.