ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ዘኽእል ኣንፈት ዲፕሎማሲ ምኽታል የድሊ – ኣይተ ደመቀ መኮንን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዓለም ለኻውን ክልቲኣውን ኩነታት ብምግንዛብ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ዘኽእል ኣንፈት ዲፕሎማሲ ምስዓብ የድሊ” ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ መድረኽ ምኽክር ዲፕሎማሲ እናተሳለጠ ይርከብ።
ኣብቲ መድረኽ ምኽክር መደረ ዘስምዑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ “ዓለም ለኻውን ክልቲኣውን ኩነታት ብምግንዛብ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ዘኽእል ኣንፈት ዲፕሎማሲ ምስዓብ የድሊ” ኢሎም።
እቲ መድረኽ ኣብ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምምኽኻር ዓሊሙ ዝተሰናደአ ፈላማይ መድረኽ ምኽክር ይኹን እምበር÷ ኣብ ቐፃሊ በቢ ዓመቱ ከምዝካየድ ተዛሪቦም።
“ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘሎ ዓለም ለኻውን ክልቲኣውን ኩነታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ብምግንዛብ ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ክሕለው ንምግባር፣ ፈታዊ ንምብዛሕን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ተሰማዕነት ንምብዛሕን ዝጠቅም መድረኽ ምኽክር ኢዩ” ክብሉ እውን ገሊፆም።
ዝሓለፉ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ኣብ ዘፈር ዲፕሎማሲ ኣዝዩ ፅዕንቶ ዝበዝሖ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ÷ ብፃዕሪ ዲፕሎማሰኛታትን ህዝብን መስመር ከይለቐቐ ክፀንሕ ከምዝኸኣለ ምግላፆም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።
ኣብቲ ምኽክር ላዕለዎት ሰበስልጣናት መንግስቲ፣ ኣምባሳደራት፣ ፍሉጣት ዲፕሎማሰኛታትት፣ ተመራመርትን ምሁራንን ተረኺቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com