Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ረብሓና ንምኽባር ዝተጠናኸረ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ትፅቢት ይግበር – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባርን ዝተሰሓሓቱ ተረኻት ንምስትኽኻል ዕዙዝ ዲፕሎማሲያዊ ኣፈፃፅማ ትፅቢት ከምዝግበር ኣመልኪቶም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ መራሕቲ ሚሲዮን ብምርካብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ገለጻ ገይሮም፡፡

ኣብ ገለፀኦም ድማ÷ “ኣብቲ ዝሓዝናዮ በጀት ዓመት ብሄራዊ ረብሓና ንምኽባር፣ ፈተውቲ ንምብዛሕ፣ ዝተደናገረ ንምቕራብ፣ ዕዙዝ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ምግባር ትፅቢት ይግበር” ክብሉ ብኣፅንኦት ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ÷ ብምትሕብባር፣ ዘላቒን ሓበራዊ ልምዓትን ከምኡ እውን ፍትሓዊ ተረባሕነት ንኽረጋገፅ ምስ ኩለን ሃገራት ተደጋጊፋ ከምትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ነዚ ድማ ክልተኣዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊ ከምኡ እውን በዓል ብዙሕ ወገን ዓውዲታት ዲፕሎማሲ ፍሉይ ትኹረት መሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.