Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ማእኸል መቖፃፀሪ ሓይሊ ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ምስ ጀኔራል ኤሌክትሪክ ፈረንሳይን ኩባንያታት ሲኖ ሃይድሮ ቻይናን ብሄራዊ ማእኸል መቖፃፀሪ ሓይሊ ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ፈሪሙ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ባልቻ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንኡስ ቀጠና ጀኔራል ኤሌክትሪክ ሓላፊ መሸጣ ኣይተ ማንያዘዋል ተስፋዬን ተወካሊ ሲኖ-ሃይድሮ ቲያን ሆንግጁን ነቲ ስምምዕነት ፈሪሞምዎ።

እቲ ስምምዕነት ክልቲኦም ህንፀት ብሄራዊ ማእኸላት መቖፃፀሪ ሓይሊ ንምፍፃም ከምኡ እውን ኣብ ኩሎም መፈልፈሊ ሓይሊን ጣብያታት መከፋፈሊን ናይ መቆፃፀሪን ንክትትል ዝሕግዙ ስራሕቲ ስርዓት ምዝርጋሕን ከምዘጠቓልል ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ጀኔራል ኤሌክትሪክን ኩባንያታት ሲኖ ሃይድሮን ብሓባር ዘካይዱዎ እንትኸውን÷ ናይ ምምኻር ስራሕቲ ድማ ሂፋብ ዝተብሃለ ኩባንያ ፊንላንድ ከምዝፍፅሞ ኣብቲ ስምምዕ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ዝኣቱ እንትኸውን÷ ነዚ ድማ ልዕሊ 57 ነጥቢ 67 ሚሊየን ዩሮን ወይ ድማ 102 ሚሊየን ብርን በጀት ተታሒዙሉ ኣሎ።

ሲሶ ወፃኢ ፋይናንስ እቲ ፕሮጀክት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፤ ዝተረፈ ድማ ብኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ዝሽፈን ኢዩ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.