Fana: At a Speed of Life!

ብ‘ሃሪኬን ሚልተን’ እናተወቕዐት ትርከብ ፍሎሪዳ ነበርታ ካብ መረበቶም ይወፅኡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዘጋጠመ ዝናብ ዝተሓወሶ ኣውሎ ንፋስ (ሃሪኬን ሚልተን) ብሚሊየን ዝቑፀሩ ነበርቲ ከባቢኦም ሓዲጎም ክወፅኡ ከምዘገደዶም ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን÷ ፍሎሪዳ ሕዚ ካብ ዘጋጠመ ንላዕሊ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ዝናብ ዝተሓወሶ ኣውሎ ነፋስ ከጋጥማ ከምዝኽእልን በዚ ድማ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት በቲ ሓደጋ ክጉድኡ ስለዝኽእሉ ካብቲ ከባቢ ንኽወፅኡ ኣዚዞም፡፡

ናይቶም ፕሬዚዳንት መጠንቀቕታ ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት እቲ ከባቢ ለቒቖም ከምዝወፅኡን ኣብ ቀፃሊ እውን ብሚሊየን ዝቑፀሩ ነበርቲ ከምዝወፅኡ ትፅቢት ከምዘሎን ተሓሩ፡፡

ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ተፈጥሮ ቅድም ኢሎም ከምዝተዓፀዉ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጆርጂያ፣ ፍሎሪዳ፣ ደቡብ ካሮላይና፣ ቴነሲ፣ ቨርጂኒያን ሰሜን ካሮላይናን ዘጋጠመ ‘ሄለን ሃሪ ኬን’ 225 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ብዙሓት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.