Fana: At a Speed of Life!

ቤኒያሚን ኔታንያሁ ኣብ ጋዛ ዘሎ ውግእ ፍፃምኡ ከምዝተቓረበ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታንያሁ ሃገሮም ምስ ሃማስ ኣብ ጋዛ እናካየደቶ ትርከብ ልዑል ውግእ ፍፃምኡ ከምዝተቓረበ ገሊፆም።

ኔታንያሁ ቻናል 14 ንዝተብሃለ ቴሌቪዥን እታ ሃገር÷ ኣብ ራፋህ ዘሎ ከቢድ ምዕራፍ ኲናት ከብቅዕ ከምዝኾነን ጦር እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ዘሎ ከቢድ ምዕራፍ ውግእ ክዛዘም ከምዝቐረበን ገሊፆም።

እዚ ማለት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ዘሎ ጎንፂ ከብቅዕ ኢዩ ማለት ከምዘይኮነ ብምሕባር፤ “ምስ ዒላማታት ሃማስ ዝግበር ውግእ ክቕፅል ኢዩ” ኢሎም።

ኔታንያሁ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኲናት ከምትጅምር ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ብምፅራሕ÷ ኣብ ጋዛ ዘሎ ከቢድ ምዕራፍ ኲናት ምስተዛዘመ ናብ ሰሜን ክፋል ከምዝቕፅል ኣመልኪቶም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ሓይሊታት እስራኤልን ሂዝቦላህን ልውውጥ ተኹሲ እናገበሩ ምፅነሖም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ዶባት እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንምዕሳል ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፃዕሪ ድሌት እስራኤል ከማልእ ከምዘለዎ ምግላፆም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.