Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ዝመርሖ ማእኸል ስምምዕ ንምጥንኻር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ ዝመርሖ ማእኸል ስምምዕ ንምጥንኻር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ተኸቲሙ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ማእኸል ስምምዕን ግልግልን ዳይነት ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ዝተጣየሸ ቤት ፍርዲ ዝመርሖ ማእኸል ስምምዕ ብሓባር ንምጥንኻር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ኢዩ እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተፈረመ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ምክትል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ሰለሞን ኣረዳን ኣዶ መንበር ቦርድ ማእኸል ስምምዕን ግልግልን ዳይነት ኢትዮጵያን ወ/ሮ ሃረገወይኒ ኣሸናፊን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

እቲ ስምምዕ ንሕብረተሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ትካላት ብዘጣይሽዎም ቤት ፍርዲ ዝመርሖም ማእኸላት ስምምዕ፥ ድጋፍ ሎጂስቲክስ ብምግባርን ኣድላዪ እታዎታት ብምሙላእን ንስራሕ ዝጥዕም ሃዋህው ከምዝፍጠር ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.