Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ኣርተሲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ዝተኸሰሱ 4 ውልቀሰባት ብመንግስቲ ጠበቓ ንኽቖመሎም ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፍርዲ ኣርተሲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ውልቀሰባት ብመንግስቲ ተኸላኻሊ ጠበቓ ንኽቖመሎም ኣዚዙ።

ተኸሰስቲ ብመሰረት ቆፀረኦም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ጥሕሰት ሕገ-መንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን ሎሚ መዓልቲ ክሶም ተነቢቡሎም።

እቶም ተኸሰስቲ ቀዳማይ ጥላሁን ያሚ ባልቻ፣ ካልኣይ ከበደ ገመቹ መገርሳ፣ ሳልሳይ ኣብዲ ኣለማሁን ራብዐይቲ ላምሮት ከማል መሓመድን ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ምስ በዓል ሞያ ተማኺሮም ክሶም ንምንባብ ብዝተውሃበ ቆፆሮ መሰረት ብምግባር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለዉ ተኸሰስቲ ጠበቓ ንምቑፃር ዓቕሚ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም።

ራብዐይቲ ተኸሳሲት ዝኾነት ላምሮት ከማል ጠበቓ ናይ ምቑፃር ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር ዝቖመለይ ጠበቓ ኣይረኸብኩን ክትብል ንቤት ፍርዲ ኣረዲኣ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ተኸሰስቲ በቲ ዝተነበበሎም ክሲ መቃወሚ እንተሃሊዩዎም ንምርኣይ ን4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.