Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ኮንፈረንስ ንግዲን ልምዓትን ውሕመ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ኮንፈረንስ ንግዲን ልምዓትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ፈጠራ ስራሕን ኢንዱስትሪን ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ÷ ምስ ቤት ፅሕፈት ኮንፈረንስ ንግዲን ልምዓትን ውሕመ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ፓውል ኣኪውሚ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ማለት እውን ኣብ ኣንጎላ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ኣብ ዘፈር ንግዲን ፈጠራ ስራሕን እናተሳሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ተላዒሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢንዱስትሪን ንምስራሕ ዝተትሓዙ ትልሚታት ብምብርህራህ በቲ ቤት ፅሕፈት ዝተገበሩ ናይ ፖሊሲ መፅናዕቲ በቶም ዳይሬክተር ነተን ሚኒስትር ኣብሪሆምለን፡፡

ዶክተር ፍፁም ብግደአን÷ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ፖሊሲታት ምስ ምንባብን ዘለዉ ኣፈላላያትን ኣብ ምፍታሕ ብወገን መንግስቲ እናተሰርሐ ዝርከብ ተግባር ኣብሪሀን፡፡

እቲ ፖሊሲ ኣብዚ እዋን እታ ሃገር ምስ ትኸዶ ኣንፈት ልምዓት ዝተናበበ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.