ቤት ፅሕፈት እቶት ክልል ዓፋር ልዕሊ 2 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር ኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት እቶት ክልል ዓፋር ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 2 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር እቶት ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ መሓመድ ሓሰን ንግዜኢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ክልል ብቁጠባ ዝረኽቦ እቶት ብዝግባእ ብምእካብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ልምዓታዊ ጠለባት ሕብረተሰብ ብዝበለፀ ንምምላእ ዓቕሚ ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኣርእስታት 2 ነጥቢ 4 ቢልየን ብር እቶት ንምእካብ መደብ ከምዝነበሮም ኣዘኻኺሮም።
ኣብ መስርሕ ምእካብ እቶት በብደረጅኡ ዘሎ ተሳትፎ ኣመራርሓን ብማሕበረሰብ ንግዲ ተበግሶ፤ እቶት ናይ ምሕባር ባህሊ ዘይምምዕባልን ኣብቲ ዓውዲ ዝተሓበሩ ክፍተታት ምዃኖም ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣመራርሓ ብምስታፍ ኣብ ማሕበረሰብ ንግዲ ለውጢ ኣተሓሳስባ ንምምፃእ ኣንፈት ከምዝተትሓዘ ኣመልኪቶም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።