Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ጎንደር ዝሃነፆ ፋብሪካ ሕሩጭን ባኒን ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ጎንደር ዝሃነፆ ፋብሪካ ሕሩጭን ባኒን ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚልን ነቲ ፋብሪካ መሪቖም ከፊቶምዎ።

እቲ ፋብሪካ ባኒን ሕሩጭን፥ ኣብ መዓልቲ 300 ሺሕ ባኒን 420 ኩንታል ሕሩጭን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ 11 ኣዋርሕ ህንፀቱ ዝተዛዘመ እቲ ፋብሪካ፥ ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ ከምዝተሃነፀን ን150 ዜጋታት ዕድል ከምዝፈጠረን ተሓቢሩ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊውን ምናለ ኣየነውን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.