Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ዞባ ጎፋ ብምሓደጋ ጋህሲ መሬት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ጣቢያ ኬንቾ ሳቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ምሓደጋ ጋህሲ መሬት ስዒቡ ብዝበፅሐ ጉድኣት ምጥፋእ ህይወት ሰባት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝበፅሀ ሓደጋ ዝተሰመዖ መሪርን ዓሚቕን ሓዘን ብምግላፅ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽ ምስ መንግስቲ እቲ ክልልን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ብምዃን ናይ ባዕሎ ኣስተዋፅኦ ከምዝግር እውን ኣረጋጊፁ።

ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሙሉእ ምፀንዕናዕን ጥንካረን ከምዝምነ ምግላፁ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.