Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀንዲ ቀንዲ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልሚ መንፈቕ ዓመት ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀንዲ ቀንዲ ኣፈፃፅማ ስራሕ ትልሚ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ገምጊሙ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበር ሕገ-መንግስታዊ ውሳነታት ምሕላፍ ምኽሉ፣ መበል 15 ግዘ በዓል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ሓድነትን ህብረ ብሄራዊነትን ብዘጠናኽር መልክዑምኽባሩ፣ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ መናእሰይ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘሎ ግንዛበ ንምፍጣር ንኣሰልጠንቲ ስልጠና ምሃቡ ተገሊፁ፡፡

ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ንኽወፅእን ምትግባር ምጅማሩን ኣብ ኣሰራርሓ ቲ ቤት ምኽሪ ዓቢዪ ለውጢ ምምፃእ ምጅማሩ፣ ኣብ ምጥንኻር ፓርላሜንታዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ምጥንኻር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደራት ማለት እውን ምስ ሩሲያ፣ ኳር፣ ቻይና፣ ቱርኪን ጀርመንን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ከምዝተዛተየ፣ ሕገመንግስቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጎናፀፈን መሰል ማዕርነት ንኽረጋገፅን ካብ ስርዓት ፌዴራል ተረባሕቲ ንኽኾና ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ልዝብ ምግባሩ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ን22 ዓማውቲ እንተይተመሓየሸ ዝፀንሐን ግልፅነት ዝጎደሎ ናይ ሓባር ኣታዊ መከፋፈሊ ቀመር ከምብሓዱሽ ተመሓይሹ ግልፅነት ብዘለዎ ምትክኡ ፍትሓዊነት ክፍፍል ሃፍቲ ንኽረጋገፅ ርኡይ ተራ ካብ ምውፅኡ ብተወሳኺ ኣብ ስርዓት ፌዴራል ጥዑይን ቀፃሊነትን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልላት ጥዑይ ርክብ፣ ጥንኩር ህብረ ብሄራዊነትን ምትእምማንን ንኽጉልብት ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዓቢዩ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ትኹረት ዘድሊዮም ጉዳያት ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ዝተቐመጡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ፍትሓዊ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተዳለወ መለክዒ ዝርገሐ ብመንጽር ምርግጋፅ ፍትሓዊነት ውፅኢታዊ ከምዝኾነን ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ንኽመሓየሽ፣ ናይ ለውጢ መሳርሒታት ወይ ድማ መሳርሒታት ሪፎርም ምጥቃም ኩሎም ሰራሕተኛታት ብመሰረት ትልሚ ምምዛንን ምሕጋዝን ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ፅቡቕ ምስሊ ሃገርን እቲ ቤት ምኽሪን ምህናፅ ናይ ኩሎም ዜጋታት ቀዳማይ ተግባር ይኹን እምበር፥ ብፍላይ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ግን ድርብ ሓላፍነት ከምዘለዎም ምግላፁ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.