Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኢንስቲትዩት ሕጊ ፍትሒ ፌዴራልን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኢንስቲትዩት ሕጊ ፍትሒ ፌዴራልን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ከምዝበሉዎ÷ እቶም ትካላት ብሓባር ምስረሖም እቲ ቤት ምኽሪ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምትርጓም ከይዲ ዘጋጥሙ ማሕለኻት ንምፍታሕ የኽሎም ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሕጊ ፍትሒ ፌዴራል ኣምባሳደር ደግፌ ቡላ ብግደኦም÷ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናወገነ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስምምዕነት ሓቀኛ ፌዴራሊዝም ንምትግባርን ኣብ ሞንጎ መንግስታት ዘሎ ርክብ ዝተስተኻኸለ ክኸውን ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.