Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ህዝቢታት ጋምቤላ 6ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ የካይድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት÷ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን በጀት ዓመት 2016 እቲ ክልል፣ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተርን ብምስማዕ ከመዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ትልሚ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን በጀት ዓመት 2017፣ መፈፀሚ በጀትን ካልኦት ጉዳያትን እውን ዘተ ብምግባር ውሳነ ከምዘሕልፍ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.