Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ 25 ውዳበታት ቢሮ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ዙር መስራቲ ጉባኤ ዘካየደ ቤት ምኽሪ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልል ንምውሳን ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ።

እቲ ውዳበ መፅናዕቲ ኣዋጅ ቤት ዕዮታት መንግስቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብቲ ክልል ዘሎ ለውጢ፣ ውፅኢታዊ፣ ዘላቒ ትካላዊን ንምግባር ዘኽእልን ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ብግቡእ ንምውፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብቲ ኣዋጅ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክልል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ 25 ቢሮታት ከምዝተወደቡ ተገሊፁ።

  1. ቢሮ ሰላምን ፀጥታን
  2. ቢሮ ፋይናንስ
  3. ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ
  4. ቢሮ ሕርሻ
  5. ቢሮ ንግዲን ልምዓት ዕዳጋን
  6. ቢሮ ትራንስፖርት ልምዓት መንገዲን
  7. ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን
  8. ቢሮ ልምዓት ማይ፣ መዓድንን ኢነርጂን
  9. ቢሮ ትምህርት
  10. ቢሮ ጥዕና
  11. ቢሮ ስልጠና ትምህርቲ ቴክኒክን ሙያን
  12. ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን
  13. ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንደስትሪን
  14. ቢሮ እቶት
  15. ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን
  16. ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ፐብሊክ ሰርቪስን
  17. ቢሮ ጉዳይ ሰራሕተኛን ማሕበራዊን
  18. ቢሮ ሳይንስን ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂ
  19. ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስት
  20. ቢሮ ልምዓትን ፕላንን
  21. ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን
  22. ቢሮ ልምዓት ኢንተርፕራይዝን ፈጠራ ዕድል ስራሕ
  23. ቢሮ ልምዓት ሓለዋ ደኒን ከባቢን
  24. ቢሮ ጉዳያት ሰበኽ ሳግም
  25. ቢሮ ተቖፃፃሪ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢዮም።

ካብ ሞንጎ እዞም ውዳበታት ኣብ ታራ ቁፅሪ፦

  1. ቢሮ ልምዓት ሓለዋ ደኒን ከባቢን
  2. ቢሮ ተቖፃፃሪ ትካላት ልምዓት መንግስቲ
  3. ቢሮ ልምዓትን ፕላንን
  4. ቢሮ እቶት
  5. ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን

ብሓዱሽ መክክዑ ዝተወደቡ ወይ እውን ስልጣንን ተግባሮምን ክብ ወይ ድማ ትሕት ዝበለ ወይ ድማ ሰፊሕ ውዳበ ክህልዎም ዝተገበሩ ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.