Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 31 ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ስርዓት መተባብዒ ሰደድ ወፃኢን ቀረፅን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ እቲ ኣዋጅ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ክብ ኣብ ምባል፣ ኣብ ሰደድ ወፃኢ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምትብባዕን ዝረኣዩ ጉድለታት ኣብ ምቕራፍን ወዘተ ዘለዎ ረብሓ በዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ወሲኹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ፌዴራል ንዝህቦም ኣገልግሎት ዘኽፍሎ ክፍሊት ኣገልግሎት ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት እውን ዓምዩቕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ነክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ከምዘወሰነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፖሊሲ ጥዕና፣ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፖሊሲ ግብርን ልምዓት ገፀርን ንምምሕያሽ ዝቐረቡ ረቂቕቲ ፖሊሲታት ብዕምቆት ዘቲዩ። ድሕሪ እዚ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሞም ካብ ዝወፅኡሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክኾኑ ብሙሉእ ድምፂ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.