Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 20 ስሩዕ ኣኼቡኡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ÷ኣብ ማእኸላይ ዘበን /2016-2020/ ማክሮ ኢኮኖሚን ማዕቐፍ ፊሲካልን ብምዝታይ ኢዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ማዕቐፍ ብቐንዱ በጀት መንግስቲ ምስ ዕላማታት ማክሮ ኢኮኖሚን ተሓሰብቲን ተጠዓዒሙ ከምዝተሰናደአ ዘመላኽት ምዃኑ ተሓሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ማእኸላይ ዘበን ኣታዊን ወፃኢን መንግስቲ ከምኡ እውን ሚዛን ፊስካል ፖሊሲ ኣንፈታት ንምንፃርን ንምእንፋትን ዘገልግል መሳርሒ ትልሚ በጀት ብምዃን፤ ዝርዝር በጀት 2016 መንግስቲ ፌዴራል ዝሰናደአሉ ዓብዪ ትንበያ ኣታዊ፣ መፃረዪ ወፃኢ፣ ወሰን ድጋፍ በጀት ክልላዊ መንግስታትን መጠን ጉድለት ፊስካልን ዘመላኽት ኮይኑ ከምዝተሰባደአ እቲ ቤት ምኽሪ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ዘጋጠሙ ፀገማት ዘንፀላለወ ስግኣት ፊስካል ንምፍታሕን ድሕንነት ፊስካልን ንምርግጋፅ ዘኽእል ሜላ ኣጠቓቕማ ፋይናንስ ተግባራዊ ንኽግበር ዘኽእል ማዕቐፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ እቲ ማዕቐፍ ኣታዊን ወፃኢን መንግስቲ ክመጣጠን ንምግባር ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ብምሕሳብ÷ እቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ምውሳኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.