Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ መበል 87 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ካብ ባንኪ ኤክስፖርት-ኢምፖርት ኮሪያ ዝተረኸበ ንመፈፀሚ መርሃ ግብሪ ህፁፅ ግዜ ምላሽ ደገፍ ባጀት ቫይረስ ኮሮናን ንመፈፀሚ ኣቕርቦት መሳርሒ ሕክምና ቫይረስ ኮሮናን ዝውዕል ኢዩ።

ብተወሳኺ ምስ ባንኪ ኤ.ስ ዳንስኬ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ፍልፍል ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ሰለስቲኦም ስምምዓት ልቓሕ ካብ 1 ሚኢታዊ ንታሕቲ ዝኾነ ውሑድ ወለድ ዝሕሰበሎም እንትኾኑ፥ ናይ ነዊሕ እዋን “እፎይታ” ዘለዎምን ኣብ 40 ዓማውቲ ተኸፊሎም ዝዛዘሙን ብምዃኖም ምስ ስትራቴጂ ምምሕዳር ልቓሕ ሃገርና ዝስማዕምዑ ምዃኖም ብምርግጋፅ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቁ ተመሪሖም።

እቲ ቤት ምኽሪ ሃገራዊን ከባቢያዊን ሰላም፣ ድሕንነትን ፀፅታን፣ ብሄራዊ ምርድዳእ፣ ኣብ ሃገረ መንግስቲን ስርዓት ዴሞክራሲን ከምኡ እውን ፓሊሲ ርክብ ወፃኢ፣ ጉዳያት ቀጠናዊ ምትእስሳርን ምትሕብባርን መፅናዕትን ምርምርን ምክያድ ወዘተ ትፅቢት ዝግበረሉ ረቂቕ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ኣብ ሓደ ዛዕባ ጥራሕ መስተኻኸሊ ብምግባር እቲ ደንቢ መጣየሺ ስትራቴጂያዊ ጉዳያት ኢንስቲትዩት ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ረቂቕ ደንቢ ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ኣብ ዝተገበረ ዘተ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፥ እቲ ረቂቕ ደንቢ ኣጠቓላሊ ማዕቐፍ ሕጊ ኢንቨስትመንት ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ይካየዱ ምስ ዘለዉ ለውጢታት ንክናበብ ምግባር፣ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ኣብ ዓውዲ ውልቀ ንክሳተፉ ዘኽእሎም ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ብምኽላስ እቲ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ዝህልዎ እጃም ንምዕባይ ብዘኽእል መልክዑ ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ደንቢ ብዕምቆት ድሕቲ ምዝታይ ሓደ መስተኻኸሊ ብምግባር ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.