Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ ፋይናንስ ንምፅዳቕ ኣብ ዝተሰናደአ ኣዋጅ ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ውሳነ ስዒቡ ቀሪቡ ኣሎ፡-

24 ሓምለ 2016 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

ውሳነታት መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 38 ስሩዕ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ ፋይናንስ ንምፅዳቕ ኣብ ዝተሰናደአ ኣዋጅ ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ።

ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ ፋይናንስ 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ዘርክብ እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ብርዳእታ፣ 500 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ድማ ብልቓሕ መልዑ ዝተረኸበ ኢዩ፡፡

እቲ ሓገዝ ፋይናንስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋእ ዝመሮም ስራሕቲ ሪፎርም ንምፍፃም ብፍላይ ድማ ንፈጠራ ስራሕ፣ ዝቕባበ ዋጋ ንምቁፅፃር፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕ፣ መስተኻኸሊ ውዳበ ንምግባር ከምኡ እውን በጀት 2017 ዓ.ም መንግስቲ ፌደራል ብቐጥታ ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብቲ ሰነድ ምስተዛተየ እቲ ልቓሕ ካብ ወለድ ናፃ፣ ናይ 6 ዓመት እዋን ችሮታ ሓዊሱ ኣብ 38 ዓመታት ተኸፊሉ ዝዛዘም ከምኡ እውን ምስ ስትራቴጂ ምሕደራ ልቓሕ ሃገርና ዝጠዓዓም ከምዝኾነ ብምርግጋፅ እቲ ስምምነት ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.