Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዑል ጎዳና ዕብየት ንክትጓዓዝ ዘኽእል ብሄራዊ ትልሚ 10 ዓመት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዑል ጎዳና ዕብየት ንክትጓዓዝ ዘኽእል ብሄራዊ ትልሚ 10 ዓመት ኣፅዲቑ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ትልሚ ኣብ ህንፀት ሰላምን ትካላዊ ህዳሰን ዘተኩሩ 10 ዓምዲታት ከምዘለውዎ ገሊፆም።

እቲ ትልሚ ልምዓት ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ዘተ ተገይሩሉ ዝማዕበለን ምርድዳእ ተገይሩሉ ናይ ዜጋታት በዓል ዋናነት ዝተረጋገፀሉ እንትኸውን፥ ከይዱ ድማ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲን ብዝኾነ መገዲ ኣሰነዳድኣ ትልሚ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ዓውዲታት ምትእስሳር ንክህልዎ ብምግባር ዝተዳለወ ኢዩ ኢሎም።

ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘገናዘበ ዕዳጋ ዝመርሖ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምኽታል ርኡይ ግደን ተሳትፎን ዓውዲ ውልቀ ብምዕባይ ዝማዕበለት ሃገር ብምህናፅ፣ ዝተረጋገዐ ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ብምፍጣር ቅልጡፍን ዘላቕን ዕብየት ኢኮኖሚ ምምዝጋብን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ከምዘኽእል እውን ተገሊፁ።

ሓፈሻዊ ተረባሕነት ኢኮኖሚ፣ ፅርየትን ተወዳዳሪነትን ዘጎልብት ለውጢ መሓውር ኢኮኖሚ ምርግጋፅ፣ ፅርየትን ተበፃሕነትን ማሕበራዊን መሰረተልምዓትን ብምርግጋፅ ዜጋታት ሰብ ዋናን ተረባሕቲን ልምዓት ንክኾኑ ምግባርን ሰላምን ፍትሕን ዘረጋግፁ ጠንካራ ሰርዓት ብምህናፅን ልዕልነት ሕጊን ሰብኣዊ መሰልን ብምርግጋፅ ድሕንነት ዜጋታት ምርግጋፅ ዝብሉ ቀንዲ ቀንዲ ዕላማታት ከምዘለውዎ ተሓቢሩ።

ዘላቒ ፋይናንስ ልምዓትን ዕብየትን፣ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ዝፃወር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ለውጢ ስርዓትን ተረባሕነት ልምዓትን ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ትኹረት ብምግባር ዝሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፥ መተሓዳደሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ሕትመትን ብሮድካስቲንግን ብምዃን ዘገልግልን ማሕቐፍ ሕጊ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምዃን ንመጀመሪያ ግዚ ዝትግበርን ረቂቕ ኣዋጅ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣፅዲቑ።

እቲ ኣዋጅ ተግባራዊነት ሓበሬታን ነፃነት ፕሬስን ብልዑል ኩነታት ዝድግፍ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.