Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ብሪክስ ዘተ እናካየደ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ብሪክስ “ኣብ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ስርዓት ኢኮኖሚ ግደ ብሪክስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተዛተየ ይርከብ ይርከብ።

ኣብ ሩሲያ ሞስኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ሚኒስትራት ንግዲ÷ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ፖለቲካ ካብ እዋብ ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፅአ ግደ ብሪክስ ኣብ መዳይ ንግዲን ኢኮኖሚን እናጠንከረ ዝመፅአ ምትሕብባር ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም፡፡

እናጋጠሙ ዝርከቡ ፈተናታት ንምፅዋርን ኣብ ትካል ንግዲ ዓለምን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ውዳበታትን ሓበራዊ ረብሓታት ንምሕላው እቲ ዘተ ሰፊሕ ረብሓ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.